ሰብ ሃፍቲ ኣብ ስራሕቲ ዕቐባ ጠሊ ክሳተፋ ምልዕዓል ይግበር ኣሎ

መቐለ 15 ሰነ 2011(ድምፂ ወያነ) ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ምዕቃብ ጠሊ ክሳተፉ ኣድላይ ምልዕዓል እናገበርኩ እየ ክብል ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ኪኢላ ዘራእቲ ኣይተ ካሕሳይ ገ/ማርያም ከም ዝበልዎ ለብ ዘበን ክራማት ንዘጋጥም ዋሕዲ ዝናብ ንምክልኻል ጠሊ ናይ ምዕቃብ ስራሕቲ ከም ወረዳ ብስፍሓት እናተሳለጠ እዩ፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብታ ወረዳ ካብ ዘሎ ድምር ተሓራሳይ መሬት እቲ 9500 ሄክታር መሬት ጠሊ ናይ ምዕቃብ ስራሕቲ ክሳለጠሉ መደብ ተታሒዙ ዛጊድ 4500 ሄክታር መሬት ብተሳትፎ ህዝቢ ጠሊ ዘዐቅቡ ስትራክቸራት ተሰሪሖምሉ ኣለዉ ዝበሉ ኣይተ ካሕሳይ ዝተረፈ ስፍሓት መሬት ድማ ተመሳሳሊ ጠሊ ዘዐቅቡ ስትራክቸራት ንምስላጥ ኣብ ከይዲ ስራሕ ኣለና ክብሉ ኣረዲኦም።

ብመሰረት እዚ ኣብታ ወረዳ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ዝተዋፈሩ ልዕሊ 20 ሰብ ሃፍቲ ብዘለወኦም ዓበይቲ ሜሽናት ተሓጊዞም ኣብ ልዕሊ 1000 ሄክታር መሬት ጠሊ ናይ መዕቃብ ስራሕቲ ከሳለጡ ዘድሊ ናይ ምልዕዓል ሰራሕ እናካየድና ኢና ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ኣብ ምዕቃብ ጠሊ ንእተሳለጦ ዘላ ስራሕቲ ብደረጃ ዞባ ተሞክረኣ ንክተካፍል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ወረዳ ዑደት ተሳሊጡ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ እዩ ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *