በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብ መላእ ዓለም ይኽበር ኣሎ…

መቐለ 27 ግንቦት 2011(ድምፂ ወያነ) በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብ መላእ ዓለም ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓት ምኽባር ተጀሚሩ።

ኣብ ግብፂ ድማ ልዕሊ 3ሽሕን 189 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ኣብ ጠረጴዛ ዝተዳለወ ምግቢ ንምርኢት ብምቅራብ ይክበር ኣሎ።

ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ንውሓት ዝሓዘን ንድምቀት እቲ በዓል ዝላዐለ ግደ ዘበርክት ዘሎ እቲ ምርኢት ምግቢ ካብ ፆመ ረመዳን ንዝነበሩ ተተልቲ እቲ እምነት ብመልክዕ ሓገዝ ምሳሕ ንክምገቡ ዝተገበረ እዩ።

ነቲ ምርኢት ምግቢ ልዕሊ 7ሽሕ ሰባት ዘተኣናግደ እዩ ዝበለ ኣፍሪካ ኒውስ ኣበ ምብራቓዊ ኣንፈት ካይሮ ኣብ ትረከብ ከተማ ከምዝተዳለወ ገሊፁ።

ቅድሚ ሐዚ ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኤምረትስ ኣብ 2018ዓ.ም ፈረንጂ 2ሽሕን 983 ነጥቢ 64 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎን ልዕሊ 6ሽሕ ህዝቢ ብመልክዕ ምሳሕ ዘገልገለን ተመሳሳሊ ኣብ ጠረጴዛ ዝተዳለወ ምግቢ ተዳልዩ ምንባሩ እቲ ሓበሬታ ኣዘኻኺሩ።

Author: admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *