ካብ ዝበፅሐ 12 ነጥቢ 5 ሚልዮን ሄክታር ዝራእቲ እቲ 9 ነጥቢ 8 ሚልዮን ከም ዝተኣከበ ተሓቢሩ…

መቐለ 14 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ መላእ እዛ ሃገር ካብ ዝበፅሐ 12 ነጥቢ 5 ሚልዮን ሄክታር ዝራእቲ እቲ 9 ነጥቢ 8 ሚልዮን ሄክታር ክእከብ ከም ዝኸኣለ ሚኒስትር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ሕርሻ ኣብ ከይዲ ኣተኣኻኽባ ዝራእቲ ኣዝመራን ከምኡ እውን ስራሕቲ መስኖን ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮን ሓጋይ ብዝምልከት መግለፂ ሂቡ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዘመነ ምህርቲ 2011/2012 ዓ/ም 13 ነጥቢ 5 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብምልማዕ 382 ሚልዮን ኵንታል ምህረቲ ንምርካብ ከም ዝተለመት እቲ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

ካብዚ ድማ ልምዓት መስኖ ሓጋይ ከይሓወሰ ክሳብ ሕዚ 12 ሽሕን 4 ሚኢትን 87 ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ተሸፊኑ ካብ ሓደ ሓደ ዶጉዓ ከባቢታት ወፃኢ ኩሎም ዝራእቲ ንምእካብ ከምዝበፅሑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ሚኒስትር ሕርሻ ኣይተ ዑመር ሑሴን ከም ዝበልዎ ኣብዚ ዝተትሓዘ ዘመነ ምህርቲ ካብ ዝተሓረሰን ብዝራእቲ ዝተሸፈነን ንምእካብ ዝበፅሐ 93 ሚኢታዊ ክኸውን እዩ ኢሎም።

ካብ ዝበፅሐ 12 ነጥቢ 5 ሚልዮን ሄክታር ዝራእቲ ድማ እቲ 78 ሚኢታዊ ማለት እውን እቲ 9 ነጥቢ 8 ሚልዮን ዝኸውን ሄክታር ንምእካብ ከም ዝተኽኣለ ገሊፆም።

ቅድም ኢሉ ተራእዩ ዝነበረ ዕስለ ኣምበጣን እዋን ዘይሓለወ ዝናብን ኣብ ምእካብ እቲ ምህርቲ ኣሉታዊ ፅዕንቱ ኣሕዲሩ ከም ዝነበረን ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ዘብፀሕዎ ጉድኣት ድማ መፅናዕቲ ይግበር ምህላውን እቶም ሚኒስቴር ሓቢሮም።

ኣብ እዋን ምእካብን ድሕሪ ምእካብን ዝራእቲ ብኽነት ከየጋጥም ይስራሕ ምህላውን ኣይተ ዑመር ኣዘኻኺሮም።

Author: admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *