ኢህወዴግ መስመሩ ይኹን ኣወዳድብኡ ካብ ስርዓትን ኣሰራርሓን ወፃኢ ክፈርስ ተገይሩ -ህወሓት

መቐለ 24 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኢህወዴግ ዝሓዞ መስመር ይኹን ኣወዳድብኡ ካብ ስርዓትን ኣሰራርሓን ወፃኢ ክፈርስ ከምዝተገበረ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣፍሊጡ ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ መስመርን ኣወዳድባን ኢህወዴግ ካብ ስርዓትን ኣሰራርሓን ወፃኢ ክፈርስ ምግባሩ ስዒቡ ሓዱሽ ብልፅግና ፓርቲ ክምስረት ተገይሩ እዩ ኢሉ እዩ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኢህወዴግ ንምፍራስ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ካብ ስርዓትን ኣሰራርሓን እቲ ዉድብ ወፃኢ ይግበር ከምዘሎ ብተደጋጋሚ መርገፂኡ እናገለፀ ፀኒሑ እዩ።

ኢህወዴግ ኣፍሪስካ ሓዱሽ ብልፅግና ባርቲ ንምፍጣር ኣብዝተኻየደ ኣኼባ እዉን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣይተሳተፈን ዝበለ እቲ መግለፂ መላእ ህዝብን ኣባልን ከይተመያየጠሉን ከይተሳተፈሉን መወዳእትኡ አዉን አዚ ክዉስን ዝክእል ጉባኤ እንተይወሰነ ክትግበር ኣይብሉን ዝብል ፅኑዕ እምነት ሒዙ ምፅንሑ ሓቢሩ።

እንትኾነ ግን ኢህወዴግ ብትሕዝቶኡ ይኹን እቲ ዝተኸየደሉ መስርሕ ብፀሬ ዴሞክራሲያዊ መንገዲ ክብተን ተገይሩ እዩ ።

ድሕሪ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ምፍጣሩ ህወሓት በቲ መስርሕ ተመያይጡ ክዉስን ስለ ዘለዎ ከምዉድብ ናብ ዉሳነ ቅድሚ ምኻዱ ህዝቢ ኣማኺሩ ርኢቶ ህዝቢ ብምሓዝ ናብ ጉቫኤ ቀሪቡ ክዉሰን መደብ ብምሓዝ ኣብ ምንቅስቓስ ከምዝፀንሐ ኣፍሊጡ።

ብምዃኑ እዉን ብመሰረት መተሓዳደሪ ደምቢ እቲ ዉድብ ህፁፅ ጉባኤ ክካየድ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝወሰነ ኮይኑ ዘድሊ ቅድመ ምድላው እናገበረ ድሕሪ ምፅናሕ ጉባኤ ፅንዓትን መኸተን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 25-26 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ህፁፅ ጉባኤ ክካየድ ምዃኑ እቲ መግለፂ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

ህፁፅ ጉባኤ ህወሓት መስርሕ ምፍራስ ኢህወዴግን ምፍጣር ሓዱሽ ብልፅግና ፓርቲንከምኡ እዉን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ንቕድሚት ዝህልዎም ቃልስን ቀፀልቲ ኣንፈታትን ብዕምቆት ዘትዩ ዉሳነታት ከሕልፍ ትፅቢት ከምዝግበር መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣመልኪቱ ኣሎ።

Author: admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *