Objective

ዓላማ ናይ’ዚ ሚድያ’ዚ(ራኢ)

ብቐንዱ ናይ ሓኽፈን ኮሚኒኬሽን ኔትወርክ ናይ ሚድያ ስራሕ ንምስላጥ ዝቖመ ናይ ሚድያ ትካል እዩ:: ሓኽፈን እቲ ኣብ ኢትዮጵያን ቢሄር ተኮር ዝኾነ ስርዓት ኣልባ ጥቕዓት ኣብ ተጋሩ ክበፅሕ ምስ ጀመረ ነዚ መሰረት ጌሩ ዝጀመር ማሕበር እዩ:: ንዝኾነ ይኹን ጥቅዓት ዘይቕበል ንብዙሃን መገልገላይ ዝኾነ ነፃ ናይ ህዝቢ ሚድያ ኮይኑ ንኽሰርሕ ተዓጢቑ ዝተለዓለ እዩ::

1: ንሕብረተሰብና ፅሩይ ዝኾነ ሓበሬታ ምሕላፍ::

2: ንኹሎም ተጋሩ ዘተሓባርን ሓድነቶም ዘጠናኽርን ማእከላይ ኮር ኮይኑ ይሰርሕ::

3: ን27 ዓመት ውፅኢት ዝረኣናሉ ፈደራሊዝም ስርዓት ፅፈቱ ሓልዩ ክቕፅል ኣበርቲዕኻ ብሚድያ ኣቢልካ ምቕላስ::

4: ኣብ መንጎ ህዝብታት ምክብባርን ምፍቕቓድን ዝተመስረተ ማዓርነትን ሓድነትን ንኽህሉ ኣፀቢቕካ ምስራሕ::

5: ብሄር ተኮር ዝኾነ ይኹን ጥቕዓት ኣብ ሰብኣዊ መሰል ምግፋፍ ሓሊፉ ሃገር ዝብትን እቲ ቀንዲ ፀላኢ ሓድነትና ምኳኑ ፈሊጥና እዚ ኔትወርክ ሚድያና ብፅንዓት ኣትሪሩ ይቃለስ::

6: ህዝብታት ኣብ ሙሉእ ምፍቕቓድ ዘፅደቕዎ ሕገ-መንግስት ክኽበር ክምዘለዎ’ዚ ኔትወርክ’ዚ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ ኣብ ሃገርና ሰላምን ዲሞክራስን ዝዓሰላ ሃገር ክትኸውን ውፍይነቱ ምርግጋፅ::

7: ኣብ ሃገርና ናይ ሚድያን ፕሬስን ነፃነት ክህሉ መባእታዊ ሓይሊ ዲሞክራሲ ምኳኑ ተረዲእና ገዛኢ ፖርቲ ይኹን መንግስቲ ነዚኦም ዕንቅፋት ከይኸውን ሚድያና ኣበርቲዓ ትቃለስ::

8: ዝተጀመሩ ናይ ልምዓት ጉዕዞ ሃገርና ኣብ ጫፍ ክበፅሑ ናይ ምድያና ኩለመዳያዊ ኣበርክቶ እትህበሉ ዝለዓለ ፃዕሪ ትገብር::

9: ምስ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ:-ንሰላም ንዲሞክራሲ ንሓድነት:-ንማዓርነት ንልምዓትን ዝቃለስ ውዳበ ወይ ድማ(ሚድያ)እንተሃልዩ ሓቢራ ትሰርሕ ሚድያ’ያ::

10: ሚድያና ብቢሄር:-ብዓሌት:- ብሃይማኖት:-ቋንቋ:-ብዕድመ:-ብፆታ ብዚኦም ኣፈላላይ ንዝፈጠሩ ፀገማት ናይ ዚኣቶም ኣፋላላይና ናይ ጥሙር ሓድነትና መርኣያ ምኳኖም ተረዲኣ ኣበርቲዓ ትቃለስ::

11: ኣብ ክብርን ጥቕምን ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ይኹን ዘንፀላሉ ሓደጋ ሚድያና ብፅንዓት ትምክት::

12: ህዝቢ ትግራይን ውድብ ህ.ወ.ሓ.ትን ሓድነቶም ኣስጢሞም ታሪኻዊ ኣመፃፅእኦም ብምዕቃብ ንውሕስና ዘለዎ ረብሓን ናብ ዝለዓለ ዘትኣማምን ቁጠባውን ኢኮነሚያውን ብርኪ ንምስግጋር ሚድያና ዝካኣላ ኩሉ ክትገብር እያ::

13: ኣብ ከባቢና ምስ ዘለዋ ውዳበ ማሕበራት:-ንኣብነት:-ማሕበረሰብ ኮሚኒቲ ትግራይ:-ማሕበር ተጋሩ ስሜን ኣሜሪካ:-ማሕበር ልምዓት ትግራይ:-ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ:-ማሕበር መንኣሰያት:- ናይ ቤት ትምህርቲ ኣልሞናያት ምስ እዚኣቶም ሓቢርካ ምስራሕ;ነዚኣቶም ብምጥንኻር ሚድያና ስሉጥ ናይ ልምዓትን ዲሞክራስን ንምምፃእ እጃማ ክተውፊ’ያ::

14: ኣብ ተጋሩ ናይ ፖለቲካ ኣፈላላይ እንተኣጋጠመ’ውን ትግራዋይ ኮይኑ ኣብ ትግራይ ተወሊዱ ንትግራይ ክብድል እቲ ዘጋጠመ ስለዘይኽእል ኣፈላላይ ብምልዛብ ብዘተ ብምፍታሕ ናብ ዝለዓለ ሓድነት ትግራዋይ ዝረጋገፀሉ መስርሕ ንምፍጣር ሚድያና ብሓላፍነት ክትሰርሕ’ያ::